ዳግማይ መረፃ ኬንያ 17 ጥቅምቲ 2017 ክካየድ ምዃኑ እዩ ተፈሊጡ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY
ዳግማይ ፕረዚደንታዊ መረፃ ኬንያ፡ 17 ጥቅምቲ ከምዝካየድ ኮሚሽን መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣቦመንበር እቲ ኮምሸን ዋፉላ ቼኩባቲ ከምዘፍለጥዎ፡ ኣብቲ ዝካየድ መረፃ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታን መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ራይላ ኦዲንጋን ጥራሕ እዮም ክወዳደሩ።
ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኡሁሩ ተዓዊቶም ምንባሮም እዩ ተኣዊጁ ነይሩ።
ኮይኑ ግን ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ውፅኢት ቅቡል ብዘይምግባር ናብ ቤት ፍርዲ ብምካዶም ዓወት ኡሁሩ ውድቂ ኮይኑ እዩ።
ውሳነ ቤት ፍርዲ ኬንያ ድማ ኣብ ታሪክ ኣፍሪካ ፈላማይ ኮይኑ ክምዝገብ ኪኢሉ። ደያኑ ከምዘፍለጥዎ ገለ ኣባላት ኮሚሽን መረፃ ዘይልሙድን ዘይሕጋውን ተግባራት ፈፂሞም እዮም።
ደግማይ መረፃ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ክካየድ ውሳነ ቤት ፍረዲ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ።
ኣብ ሕሉፍ መረፃ ዝተፈፀመ ጌጋ ዳግማይ ከይፍፀም ኣባላት ኮሚሸን መረፃ ክውገዱ ከምዝግባእ ቀንዲ ተቓዋሚ ውድብ እናሃተተ ይርከብ።
እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውስቲ 21 መዓልታት ተወሰኽቲ ውሳነታቱ ከምዘፍልጥ ዕላዊ ገይሩ እዩ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ ዋፉላ ቼቡካቲ "እቲ ዝፍኖ ዓሚቕ ውሳነታት ቤት ፍርዲ ዝነበሩ ፀገማት ብምንፃር ምምሕያሻት ክንገብር ዘኽእል እዩ" ኢሎም ኣለው።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ራይላ ኦዲንጋ ንውሳነ ቤት ፍርዲ ሃገሮም፡ ታሪካዊ መዓልቲ ንኬንያውያንን ህዝቢታት ኣፍሪካን ምንባሩ እዮም ገሊፆምዎ። ነቲ ውሳነ ቅቡል ዘይገበሩ ኡሁሩ ኬንያታ ብወገኖም ድሕሪ ውሳነ ኣብ ዝገበርዎ ዘረባ ህዝቢ ክረጋጋዕ ፀዊዖም።
ትንተና
ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣፍሪካ ዲክሰን ኦሌዌ
ደግማእ መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ዕላዊ ምዃኑ ዝፈጠሮም ኩነታት እቲ ኣብ 17ጥቅምቲ ዝካየድ መረፃ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ከርኢ ጀሚሩሎ።
ኮሚሽን መረፃ እውን ኣብ ዝሓለፈ ንዝበፅሒ ወቐሳ ንዘይምድጋም ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኮይኑ እዩ ንስራሕ ይዳሎ ዘሎ። ብድሕሪ ውሳነ ቤት ፍርዲ ዝበዝሕ ተቓውሞ ካብ ደገፍቲ ተቓዋሚ ውድብ እዩ ኣጋጢምዎ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን መረፃ ዋፉላ ቼቡካቲ ቅድሚ ደግማይ መረፃ ኣባላት ስርሖም ንምጥንኻር ዝኣተውዎ ቃል ከተግብሩ'ዶ ይኾኑ ዝብል ህዝቢ ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዘሎ ኮይኑሎ።
ኣብ ዝሓለፈ መረፃ ጌጋ ከምዝፈፀሙ ኣብ ዝእመነሎም ከም ዓለም-ለኸ ተዓዘብቲ መረፃን ማዕኸናት ዜና ኬንያን ኣዒንቲ ክትከሉ እዮም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
