ባይቶና ኣብ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ንምስታፍ ዘቐመጦ ቕደመ ኩነት እንታይ'ዩ?

Published

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና) ብድምፂ ህዝቢ ንዝረኸባ ሓንቲ መንበርን ብዘይ ድምፂ ንክሳተፍ ዝተፈቐደሉ ሸውዓተ መናብርን ከምዝቕበል ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ይኹን እምበር ነቲ ውሳነ እናተቐበለ ቅድመ ኩነት እውን ኣቐሚጡ ኣሎ።

"እቲ ባይታ ነቶም ውድባት ካብ ልቢ ዘሳትፍ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን፡ ባይቶና ነቲ ሽግር ኣቃሊዑ፡ ካብቲ ቤት ምኽሪ ከምዝወፅእ ኣቐዲምና ነፍልጥ" ኢሉ ኣሎ።

ነዚ እውን፡ ኣቐዲሙ፡ መሰማምዒ ዝኸውን ስምምዕ ሰነድ ንኽፍጸም ሓቲቱ ኣሎ።

ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ (ባይቶና): ናብ ቤት ምኽሪ ንምእታው እንትውስን: ነዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኹነት ኣብ መግለፂኡ ኣቐሚጡ ኣሎ።

  • ንውብና ወክሎም ብዘይድምፂ ዝሳተፉ ኣባላትና: ሓሳቦም ንምቕራብ እኹል ግዜ ዝወሃቦም እንተኾይኑ
  • ኣብቲ ቤት ምኽሪ: ብዘይድምፂ ዝሳተፉ ኣባላትና ዘቕርብዎ ሓሳብ እንተይተቖራረፀ ከምዘሎ ናብ ህዝቢ ብቐጥታ ፈነወ ዝሓልፍ እንተኾይኑ
  • ብዘይድምፂ ዝሳተፉ 7 ኣባላትና: ኩሎም ሓሳብ ከቕርቡ ዝኽእሉ እንተኾይኖም
  • ብዘይድምፂ ዝሳተፉ 7 ኣባላትና: ኣጀንዳ ንምትሓዝ ካብቲ ዝተለመደ ኣሰራርሓ ፍልይ ዝበለ ዕድል ዘመቻቹ እንተኾይኑን
  • ብዘይድምፂ ዝሳተፉ 7 ኣባላትና: ንኣባላት ቤት ምኽሪ ዝወሃብ መሰልን ጥቕምን እንተይተሸራረፈ ዝኽበርን ዝወሃብን እንተኾይኑ

ብተወሳኺ ኣብቲ ኣዋጅ ባዕሉ: ዘይድምፂ ዝሳተፉ ኣካላት ዝተቐመጡ ዝሳተፉሎም ዝርዝር ተግባራት ወይ ድማ ስራሕቲ ከይተሸራረፉ ዝትግበሩ እንድሕ ኮይኖም

እቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለዉ ፈፂሞም ዘይሕለፉ ቁልፊ ጉዳያት ቅድሚ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ምጅማሩ: ንድሕሪት ዘይምለስን ዘይኽለስን መረጋገፂ ሰነድ ስምምዕ ዝወሃበና እንድሕ ኮይኑ: ውድብና ድምፂ ህዝቢ ዓባይ ትግራይ ኮይኑ: ንምቕራብ ከምዝጥቀመሉ ኣስሚርሉ ኣሎ::

እዚኦም ዘይትግበሩ እንድሕ ኮይኖም: ድፍኢት ህዝቢ ንምዕጋስ ተባሂሉ እምበር: ውድባት ካብ ልቢ ዘሳትፍ እንድሕር ዘይኮይኑ ግን: ባይቶና እቲ ሽግር ኣቃሊዑ ካብ ቤት ምኽሪ ከምዝወፅእ ካብ ብሐዚና ነፍልጥ ኢሉ ኣሎ::