ኣብ ወሰናስን ጽርግያ ተደርብዩ ዝተረኽበ ሬሳታት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ምዃኖም ናይ ዝእመነሎም 27 ሰባት ሬሳታት፡ ኣብ ሰሜን ርእሰ ከተማ ዛምብያ - ሉሳካ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ንጉዌረ ኣብ ወሰን ጽርግያ ተደርብዩ ከምዝተረኸበ ተገሊጹ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ዳኒ ምዋለ፡ እዞም ስደተኛታት ካብን ናብን ክጓዓዙ ኣብ ምስግጋር (ትራንዚት) እንከለዉ ተዓፊኖም ሞይቶም ክዀኑ ከምዝኽእሉ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ሓደ ካብቲ ሓደጋ ዝደሓነ "ኣብ ኣጋ ሞት" ዝተረኽበ ሰብ፡ ብቕልጡፍ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ ኣሎ።
ዛምብያ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክኸዱ ዝደልዩ መብዛሕትኦም ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ዝመጽኡ ስደተኛታት ቀንዲ መተሓላለፊት ሃገር ኰይና’ላ።
ነበርቲ ከተማ ንጉዌረ ነቲ ሬሳታት፡ ብሰንበት ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ሰዓት 06፡00 (04፡00 GMT) ከምዝረኸብዎ ወሃቢ ቃል ፖሊስ ገሊጹ።
ፖሊስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ስደተኛታት፡ ምስኦም ብዝተረኸበ ሰነድ ኢትዮጵያውያን ምዃኖም ከምዝኣምንን ሓቢሩ።
"መባእታዊ መርመራታትና ከም ዘመልክቶ፡ ብድምር 28 ሰባት፡ ኵሎም ካብ 20 ክሳብ 38 ዓመት ዝዕድመኦም ደቂ ተባዕትዮ፡ ኣብ ከባቢ ንጉዌረ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ቺሚኑካ ኣብ ዝርከብ ሜንውድ ንኮሲ ብዘይተፈልጡ ሰባት ተደርብዮም ጸኒሖም" ክብል ከኣ ገሊጹ።
እቶም ሬሳታት ናብ መምሃሪ ሆስፒታል ዛምብያ ተወሲዶም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ሰበስልጣን ጐረቤት ሃገር ማላዊ፡ ጃምላዊ መቓብር 25 ሬሳታት ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ረኺቦም ምንባሮም ይፍለጥ።
ኣብቲ እዋን፡ ፖሊስ፡ ወዲ በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ማላዊ ነበር ፒተር ሙታሪካ ምስቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዘለዎም ገሊጾም ነይሮም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
