ኣብ ዓለም ኮኾብ ተጻዋቲት ቴኒስ፡ ሰሬና ዊልያምስ ካብ'ቲ ውድድር ተሰናቢታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ተጻዋቲት ቴኒስ ዝነበረት ሰሬና ዊልያምስ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ 'ዩኤስ ኦፐን' ብኣውስትራልያዊት ኣጅላ ቶምልያኖቪች ድሕሪ ምስዓራ፡ ካብ ውድድር ቴኒስ ንሓዋሩ ተሰናቢታ።
ኣብዚ ወርሒ 41 ዓመት ዝመልኣ ዊልያምስ፡ ኣብ መወዳእታ 7-5፡ 6-7፡ 6-1 ብዝኾነ ውጽኢት እያ ተሳዒራ።
ን27 ዓመታት ኣብ ዝጸንሐ ፕሮፌሽናል ሂወታ፡ 23 ግራንድ ስላም ተዓዊታ እያ። ኣሜሪካዊያን ካብ ኩሉ ግዜ ብልጽቲ ተጻዋቲት ይብለዋ።
ኣብዚ ሰሙን ድሕሪ ዘርኣየቶ ብቕዓት ስንብታ ዳግማይ ክትሓስበሉ እንተኾይና ዝተሓተተት ዊልያምስ፡ "ኣይመስለንን፡ ግን ድማ ኣይፍለጥን" ኢላ።
ዊልያምስ፡ ኣብ ማእከል ሜዳ ቃለ መሕትት ምስ ተገብረላ ንብዓታ ኣብ ገጻ ይውሕዝ ነይሩ፡ ንስድራኣ፡ ጋንትኣ፡ ተዓዘብታን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ደገፍታን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዝሃብዋ ደገፍ ኣመስጊና።
"ንነዊሕ ዓመታት፡ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ጎነይ ዝነበረ ኹሉ ሰብ የመስግኖ" ትብል እታ ኣብ 1995 ጓል 14 ዓመት ከላ ንፈለማ እዋን ፕሮፌሽናል ውድድር ዝተጻወተት ዊልያምስ።
"ግን ኩሉ ካብ ወለደይ እዩ ጀሚሩ። ኩሉ ድማ ይግብኦም'ዩ። ስለዚ ብሓቂ የመስግኖም።"
"ኣነ ድማ [ሓፍተይ] ቬኑስ እንተዘይትህሉ ሰሬና ኣይምኾንኩን፡ ስለዚ የቐንየለይ ቬኑስ። ሰሬና ዊልያምስ ክትህሉ ዝገበረት እንኮ ምኽንያት ንሳ እያ።"
ናብ ራብዓይ ዙርያ ዝተሰጋገረት ቶምልያኖቪች፡ ንታ ኣብ ዓለምና ፍልጥቲን ኮኾባት ስፖርትን ዝኾነት መጋጥምታ ሰሬና ኣጣቒዓትላ እያ።
እታ ካብ ተጻዋቲት ቴኒስ ንላዕሊ ኮይና ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐት ዊልያምስ ንፋሽን መጽሔት ቮግ ኣብ ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ ካብ ውድድር ቴኒስ ከምዝተሰናበት ሓቢራ'ያ።
መደባ ኣብዚ ክልተ ሰሙን ሞያኣ ከተብቅዕ'ዩ።
ዊልያምስ፡ 'ናይ ንግስቲ ንግስቲ' ተባሂላ ድሕሪ ምልላያ፡ ብኣሜሪካዊት ኮኾብ ራፕ ንግስቲ ላቲፋ ብዝተዘንተወት ቪድዮ ተዓጂባ እያ ናብቲ ውድድር ሜዳ ኣትያ።
ኣሰናዳኢት ቮግ ኣና ዊንቱርን፡ ፍሉይ ኮኸብ ጎልፍ ታይገር ዉድስን፡ አር ኤንድ ቢ ደራፊት ሲያራ ምስ በዓል ቤታ፡ ፊልም ዳይሬክተር ስፓይክ ሊ ዝኣመሰሉ ኣብቲ ሕብረተሰብ ልዑልን ብሉጽን ደረጃ ዘለዎም ሰባት ተዓዘብቲ እቲ ውድድር ነይሮም።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
