ኣብ ቬትናም ብኮሮናቫይረስ ፈላማይ ሞት ተመዝጊቡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቬትናም፡ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ መላእ ዓለም ካብ ዝላባዕ ንነጀው፡ ንፈለማ እዋን ብኮሮናቫይረስ ዝሞተ ሰብ ኣመዝጊባ።
ብመሰረት ሓበሬታ መራኸብቲ ሓፋሽ ቬትናም፡ እዚ ለበዳ ካብ ዝረአ ጀሚሩ ኣብታ ሃገር ዋላ ሓደ ሰብ ብኮቪድ-19 ከምዘይሞተን፡ እዚ ዝሞተ ሰብ’ውን፡ ኣብ ዳግማይ ደግሲ ኮሮናቫይረስ ዝሞተ እዩ።
ብተወሳኺ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ዳናንግ 45 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፉ ዝተገለፀ እንትኸውን፡ ኣብታ ሃገር ጠቕላላ በዚ ቫይረስ ናይ ዝተለኸፉ ሰባት ብዝሒ ናብ 509 በጺሑ ኣሎ።
ሰብመዚ እታ ሃገር ነቲ ለበዳ ንምቊጽጻር ይቃለሱ ከምዘለውን፤ 100 ሰብሞያ ሕክምና ድማ፡ ረድኤት ንምሃብ ናብ ከተማ ዳናንግ ተላኢኾም ኣለው።
ኣብ መስሕብ በፃሕቲ ዓዲ ዝኾነት ከተማ’ውን ለበዳ ኮቪድ-19 ዳግማይ ደጊሱ ይርከብ።
ኣብ ርእሰከተማ ሃኖይ’ውን፡ መርመራ ኮሮናቫይረስ ይካየድ ከምዘሎን፡ ምትእኽኻብ ከምዝተኸልከለን ተገሊፁ።
ቬትናም ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምምካት፡ መርመራ ብምክያድን ብስጡም ቀይድታት መገሻን ልዑል ናእዳ ከምዝረኸበት ይፍለጥ።













